ባይቶ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ዝኹንን ውሳኔ ኣጽዲቑ

ባይቶ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ዝኹንን ውሳኔ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 12 April 2018

ethio_usባይቶ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኹንን ውሳኔ ከምዘጽደቖ ተሓቢሩ።

እቲ ብውሳኔ ገዛ 128 ዝፍለጥ ሰነድ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጽኒዕዎ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከልዕሎ ኣብ ርእሲ ምጽዋዕ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጎነጽ ደው ከብሉን እሱራት ክፍትሑን ዝጽውዕ’ዩ።

እቲ ካብ 32 ግዝኣታት ኣመሪካ፣ ካብ ክልትኤን ሰለፍታት ዝተወከሉ 108 ኣባላት ባይቶ ደገፍ ዝረኸበ ውሳኔ፣ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር’ውን ጎነጽ ደው ብምባል ጉዳያቶም ብፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሑ ኣተሓሳሲቡ።

 ባይቶ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝቐረበ ውሳኔ ንምጽዳቕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2017 ድምጹ ክህበሉ ተወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ውሳኔ እንተጸዲቑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ጸረ ሽበራ ምስ ኣመሪካ ዝገብሮ ዘሎ ምትሕብባር ከምዝስሕብ ድሕሪ ምሕባሩ ንዘይተወሰነ እዋን’ዩ ተናሂውሑ ጸኒሑ።

እቲ ባይቶ ብሰኑይ 9 ሚያዝያ ድሕሪ ዘካየዶ ድምጺ ናይ ምውሃብ መስርሕ፣ ነቲ ውሳኔ ኣጽዲቕዎ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0