ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ኣዚዚ

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ኣዚዚ

Radio Erena: 12 April 2018

bashirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ብሰሉስ 10 ሚያዝያ ከምዝኣዘዘ ንቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

እቶም ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክፍትሑ ተወሲንሎም ዘሎ እሱራት፣ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ባንን ካልእ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ዝተላዕለ ተቓውሞ ህዝቢ ካብ ወርሒ ጥሪ 2018 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ’ዮም።

ፕረዚደንት ኣልበሺር ኣቐዲሙ’ውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፣ ሓያሎ መራሕቲ ውድባትን ተቓውሞታትን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከይተፈትሑ’ዮም ጸኒሖም።

ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሰልፍታት እናገፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ፍልልያት ንምጽባብን ናብ መኣዲ ዘተን መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ንምቅርራቦምን ምዃኑ ይግለጽ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0