ባይቶ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንዝተፈጸመ ህልቂት እተጻርይ ኮሚቴ ኣቚሙ

Radio Erena: 07 July 2022
ታሕተዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ’ታ ሃገር ንዝተፈጸመ፤ ቅትለት ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት እተጽንዕ ኮሚቴ ኣቚሙ።

ብፍላይ’ቲ ኣብ ከባቢታት ቀለም ወለጋ ዝተፈጸመ ‘ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ተግባር’ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ፍጻሜ፤ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ፈጺሙዎ ክብል’ዩ መንግስቲ’ታ ሃገር ዝኸስስ። ሓለፍቲ’ቲ ግንባር፤ ነቲ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ብንጻግ፤ ብኣንጻሩ፤ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፤ ንዘጋጠሞም ስዕረት ንምሽፋን ዝፈጸሙዎ እዩ ብምባል ምላሽ ሂቦም።

እዛ ትቐውም ዘላ ኮሚቴ፤ ነቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት፤ መን ሓላፍነት ከምዝወስደሉን፤ ዳይማይ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ከይክሰት መፍትሒ ከተናድይን ትጽቢት ተገይሩላ ኣሎ።

ብህይወት ዘምለጡ ገለ ነበርቲ ቀለም ወለጋ፤ ኣብ ጣሻታትን ከባቢ ዓድታትን ተሓቢኦም ከምዘለዉ እዮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝገልጹ ዘለዉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ፍጻሜ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ መንግስቲ ግዜ ከይወሰደ ጽጹይ መርመራ ከካይድ ተላብዩ። እቲ ሕብረት ብተወሳኺ፤ ፈደራላዊ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታቱ ምሕላው ሓላፍነቱ ምዃኑ ብምዝኽኻር፤ ነቲ ምሉእ ኣቓልቦኡ ስሒቡ ዘሎ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ኲናት ብሰላም ፈቲሑ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝተላዕለ ብሄር ዝመንቀሊኡ ግርጭት ከህድእ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0