ጀነራል ኣል-ቡርሃን፣ 5 ኣባላት ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ካብ ስልጣን ኣባሪሩ

Radio Erena: 07 July 2022

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፤ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘቕረቦ እማመ፤ ብበርጌሳውያን ማሕበራት ድሕሪ ምንጻጉ፤ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ኣባላት’ተን ማሕበራት ካብ ስልጣኖም ኣባሪሩ።

ማዕከናት ዜና ሱዳን ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፤ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፤ ጀነራል ኣልቡርሃን መስሪቱዎ ዘሎ መንግስቲ ክተዓራረይ ዘይኮነ፤ ፍጹም ካብ ሱሩ ተማሕዩ፤ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክቕየር ከምዝደልይ ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ስልጣኖም ዝተሰጎጉ ሓሙሽተ ሰበስልጣን፤ ወግዓዊ ናይ ስንብታ ወረቐት ከምዘይተዋህቦምን፤ኣባላት ጸጥታ ሃንደበት መጺኦም መካይኖምን ካልእ ንብረት መንግስትን ከምዘሕደጉዎምን፤ ንጋዜጠኛታት ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን፤ ኣብ ቀጻሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝርከብ ህዝቢ ሱዳን፤ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝቐረበ እማመ ከይቅበሎ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፤ ብዕልዋ ስልጣን ካብ ዝሓዘላ ዕለት ጀሚሩ ተኣማንነቱ ኣጥፊኡ እዩ ዝብል ህዝቢ ሱዳን፤ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ እንከለዉ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ ዜጋታቶም ሕነ ዝፍደይ፤ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ናብ ፍርዲ ምስዝቐርቡ እዩ፤ ክብሉ ብዓውታ የቃልሑ ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0