ባይቶ ቤጃ፣ ካብ ዝኸተሞ ውዕል ስምምዕ ክስሕብ’ዩ

ብመንጎኝነት መግስቲ ኤርትራ ኣብ 2006 ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ስምምዕ ሰላም ዝኸተመ ኣካል ምንቕስቓስ ምብራቕ ሱዳን ዝኾነ ባይቶ ቤጃ፣ ካብቲ ስምምዕ ክስሕብ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

    ባይቶ ቤጃ፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ኣስመራ ዝኸተሞ ስምምዕ፣ ኣብ መንግስቲ ኻርቱም ጽፍሕታት ክመቓራሕ ዝብል እማመ እኳ እንተነበሮ፣ ብዘይካ እቲ መራሒ ምንቕስቓስ ምብራቓዊ ሱዳን ነበረ ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ፣ ወከልቲ ካልኦት ብሄራት እቲ ዞባ፣ ዝኾነ ዕድል ከምዘይተዋህቦም ይወቕሱ።

    እቲ ብቤጃ፣ ራሻይዳን ካልኦት ኣብቲ ምብራቓዊ ዞባ ሱዳን ዝርከቡ ብሄራት ዝቖመ ናይ ተቓውሞ ምንቕስቓስ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ብመንጞንነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም፣ ዕጡቕ ንመንግስቲ ካርቱም ከምዘረከብ ኣይርሳዕን።
እንተኾነ፣ መንግስቲ ኣልበሽር ዝኣተዎ መብጽዓታት ኣየተግበረን ብዝብል ካብቲ ሓያሎ መራሕቲ ናይቲ ምንቕስቓስ ነበር ምዕዝምዛማት ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

    ባይቶ ቤጃ’ውን ሓደ ካብቶም ምዕዝምዛማት ከስምዑ ዝጸንሑ ኣካል እቲ ምንቕስቓስ ኮይኑ፣ ካብቲ ምስ መንግስቲ ካርቱም ዝጸንሖ ስምምዕ ክስሕብ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።
ሓደ ካብ ሓለፍቲ ናይቲ ምንቕስቓስ ቤጃ ግና ካብቲ ስምምዕ ንምስሓብ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ከምዘይበጽሐ ብምጥቃስ፣ ነቲ ብማዕከንናት ዜና ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0