ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ሃ፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክዝቲ’ዩ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጄኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ሃ፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክዝቲ’ዩ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጄኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Radio Erena: 22 June 2015

CIO

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ብመርማሪት ኮሚሽን ንዝቐረበ ጸብጻብ ጽባሕ 23 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክዝትየሉ ምድላዋት ኣካይድሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ንምቕዋም ሎሚ ሰኑይ 22 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን፣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ከተካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐት መጽናዕቲ፣ ብ8 ሰነ ኣብ ዘቕረበቶ ኣስታት 500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተሓተቲ ምዃኖም ኣስሚርሉ’ዩ።

 

ድሕሪ’ዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ናይ ጽሑፍ ጸብጻብ፣ ንጽባሕ ሰሉ 23 ሰነ’ውን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኣባላት እታ ኮሚሽንን ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራን ፊት ንፊት ብምርኻብ፣ ነቲ ጸብጻብ ክዝትየሉ’ዩ።

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ’ቲ ጸብጻብ ንምዝታይ ተዳልዩሉ ኣብ ዘሎ ድማ፣ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ብኤምባሲታት እናተወደቡ፣ ካብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ከተማ ጄኔቭ ውሒዞም።

ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን በንጻሩ’ውን ንመርማሪት ኮሚሽንን ባዝዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪታ ጸቕረበቶ ጸብጻብን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ንዓርቢ26 ሰነ ኣብ ጄኔቫ፣ ሰልፊ ወዲቦም ምህላዎም ይፍለጥ።

እዚ፣ ኣብ ጄኔቫ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፍታት ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ዝልውጦ ነገር የለን።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0