መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተተምየነ ባጤራን ዘይሕጋዊ ንግድን ተዋፊሮም ጸኒሖም ንዝበሎም ሓያሎ ሰባት ከምዝቐየደ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተተምየነ ባጤራን ዘይሕጋዊ ንግድን ተዋፊሮም ጸኒሖም ንዝበሎም ሓያሎ ሰባት ከምዝቐየደ ተገሊጹ

Radio Erena: 22 June 2015

karsheli

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ምዝርጋሕ ዝትደተምየነ ባጤራን ዘይሕጋዊ ንግድን ተዋፊሮም ጸኒሖም ንዝበሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ ኣካየድቲ ትካላት ህግደፍን ተራ ነጋዶን ይእስር ምህላዉ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኣስመራ፣ ተሰነይን ባጽዕን 10ታት ሰባት ከምዝተኣስሩ’ውን ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣመልኪቶም።

እቲ መንግስቲ ኣቀዲሙ፣ ኤርትራውያን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ምስግጋር ክነጥፉ ጸኒሖም ንዝበሎም ሓያሎ ሰባት’ውን ከምዝቐየደ ዝጠቐሱ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ካብ ኣስመራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ምስ ብልሽውና ብምትሕሓዝ ሓያሎ ሰባት ይቕይድ ምህላዉ ኣረዲኦም።

 

ካብ ሓለፍቲ ክሳብ ተራ መራሕቲ ሚኒባሳት ንዝርከብዎም ሰራሕተኛታት ናይቲ ብህግደፍ ዝውነን ኩባንያ ሓራት ብጅምላ ከምዝቀየደ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሬድዮ ኤረና ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዘይምርግጋእ ይርአ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣመልኪቶም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ’ውን ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ቀይዲ የእትዮም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0