ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘትዩ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘትዩ

Radio Erena: 18 March 2019

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከተማ ጄኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምዝዘተየ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ባይቶ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ሓድሽ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ክህልዎ ዝኽእል እጃምን ኣሕዲርዎ ዘሎ ተስፋን ብዝርዝር ተዘሪብሉ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ ባይቶ ዝተሳተፉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ወከልቲ በርጌሳውያን ማሕበራትን፣ ኣብ ኤርትራ ዛጊት ዝኾነ ለውጢን ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዘይተራእየ ብምትሕስሳብ፣ መራሕቲ ሃይመኖት ዝርከብዎም ኣቦታት፣ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ፍርድን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም።

ሓዳስ ራፖርተር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ዳኒኤላ ክራቭትዝ፣ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ምዃና፣ ንውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ዘዘኻኽር ሓላፍነት ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣብ ምኽባር መሰላት ትካላዊውን ሕጋውን ባይታ ከተንጽፍ ጸዊዓ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ዋላ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እውን ዝኾነ ምምሕያሽ ኣየርኣየን ክትብል ምኽትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኬይት ጊልሞር ብወገና ገሊጻ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ መግረፍትን ስቓይን፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝኣመሰሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ገና ይቕጽሉ ከምዘለዉ ኣመልኪታ።

ኣብቲ ብ11 መጋቢት ዝተጋብአ ኣኼባ፣ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣባላት እቲ ባይቶ ዝኾና ሃገራትን ተረኺቦም ኔሮም።

ብኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኹሉ ዝቐረበሉ ክስታት ንገሊኡ ናይ ኣሉታ ምላሽ ክህበሉ እንከሎ ንገሊኡ ድማ ክሒድዎ።

ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ ሃገራት፣ ኣብ 2019 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኮይነን ምህላወን ዝፍለጥ’ዩ።

 

ስእሊ፣- ሓዳስ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፣  ዳኒኤላ ክራቭትዝ

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0