ባይቶ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ 36 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣኼባ ኣካይዱ

ባይቶ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ 36 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣኼባ ኣካይዱ

Radio Erena: 09 May 2016

ki

ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፣ ንባይቶ ሰልፊ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ድሕሪ 36 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣኪቡ።

ባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ’ቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ሶንግ ኢል ኣብ 1980 ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብ ስልጣን ብዘሎ መራሒ ብወዲ ወዱ’ዩ ካብ ዓርቢ 6 ግንቦት ኣትሒዙ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ። 

ባይቶ ሰሜን ኮርያ ናይ መወዳእታ እዋኑ ኣኼባ ዘካየደሉ፣ እዚ ሕጂ ፕረዚደንት ዘሎ ኪም ጆንግ ኡን ኣይተወልደን ኔሩ።

 

ኣብ ሰሜን ኮርያ ካብ 1948 ኣትሒዙ፣ ን68 ዓመታት ሰለስተ መራሕቲ ጥራይ ክተኻኽኡላ እንከለዉ፣ ንሳቶም ከኣ፣ ኣቦ፣ ወዱን ወዲ ወዱን’ዮም።

ንጹላት ሃገራት ካብ ዝበሃላ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሰሜን ኮርያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 68 ዓመታት መሪሕነት ሓንቲ ስድራ፣ ምሉእ ኣድህቦኣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ተጸሚዱ፣ እቲ ኣስታት 29 ሚልዮን ዝግመት ህዝባ ከኣ ካብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ፣ ጃፓን፣ ቻይናን ኣመሪካን ብዝተመጽወተሉ ረድኤት’ዩ ብኩፖን ዝመሓደር።

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ናብ ስምምዕ ኑክሌር ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ከም ቀዳማይ ጠለብ ዘቕርቦ፣ ካብ ሃብታማት ሃገራት ነዳዲን መግብን ረዲኤት ክልገሰሉ’ዩ።

ከም ቻይና፣ ሩስያንን ሓያሎ ግዝኣት ሩስያ ዝነበራት ሃገራትን ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን ብራሽን ዝዕደል ዝነበረ ወርሓዊ መቑነን- ኩፖን ክኣልያ እንከለዋ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ብኩፖን ዝናበራ ሃገራት ኩባ፣ ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ጥራይ’የን።

ኤርትራ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ እናተባህለት ከምእትግለጽ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0