ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንዘራኽብ ጽርግያ 98 ሚልዮን ዶላር ክትምውል’ያ

Radio Erena: 09 August 2019

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንዘራኽብ ጽርግያ፣ 98 ሚልዮን ዶላር ክትምውል ምዃና ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ናብቲ ምስ ጅቡቲ ዘራኽባ ዘመናዊ ጽርግያ ንምህናጽ፣ 255 ሚልዮን ዶላር ባጀት ክትውጥን እንከላ፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ነቲ ኣስታት 98 ሚልዮን ክምውል ምውሳኑ፣ ብሰሉስ 6 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ጠቒሱ።

እቲ ባንክ ንጅቡቲ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕል ናይ 5.3 ሚልዮን ዶላር ምወላ ጌሩ ኣሎ።

ምህናጽ እቲ ጽርግያ፣ ወጻኢታት መጓዓዝያ ብምቕናስ፣ ኣብ ምስፋሕ ንግዲን ምዕባይ ቁጠባን ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ተገሊጹ።

===================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0