ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘራኽብ ሓይሊ ኤልክትሪክ ንምህናጽ፣ 83.6 ሚልዮን ዶላር መዊሉ

Radio Erena: 09 July 2021

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘራኽብ መስመር ሓይሊ ኤልክትሪክ ንምህናጽ፣ 83.6 ሚልዮን ዶላር ከምዝመወለ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ 69.6 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ክወሃብ እንከሎ እቲ 13.9 ሚልዮን ድማ ኣብ ጂቡቲ ከምዝውዕል ሓቢሩ።

እቲ ምወላ፣ ንኢትዮጵያ ንጂብቲን ዘራኽብ፣ ኣስታት 300 ኪሎሜተር መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምዝርጋሕን መከፋፈሊ ማእከላት ኣብ ምህናጽን ክውዕል’ዩ።

ነዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርኻብ ድሕሪ ዝወጸ መደብ፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ 2004 ተመሳስሊ ምወላ ኣካይዱ ኔሩ’ዩ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0