ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 80 ኤርትራውያን ሰጕጓ

Radio Erena: 08 July 2021

ስዑዲ ዓረብ፣ ዝሰጎጎቶም ኣስታት 80 ኤርትራውያን ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ብመርከብ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፣ መብዛሕትኦም መንበሪ ፍቓድ ወይ ኢቓማ ዘይጸንሖም ኮይኖም፣ ብመንገዲ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ‘ለሰ-ፓሰ’ ወይ ድማ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ክሳብ ዝዳለወሎም ኣብ መዳጎኒ ማእከላት እታ ሃገር ዝጸንሑ’ዮም።

ንሳቶም ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ክሳብ ዝረጋገጽ፣ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ኣብ ዝርከብ፣ ከም መወሸቢ ማእከል ዘገልግል ህንጻ ተታሒዞም ይርከቡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ደው ኣቢላቶ ዝጸንሐት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ነናብ ዓዶም ናይ ምስጓግ መስርሕ ብዝሰፍሐ ትቕጽሎ ኣላ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት፣ ኣስታት 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዝሰጎገት ይዝከር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 7 ሽሕ ኢትዮጵያውያን፣ ናብ ዓዶም ኣፋንያ።

=================

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

COMMENTS

WORDPRESS: 0