ባሕቲ ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ይዝከር

ባሕቲ ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ይዝከር

Radio Erena: 01 May 2018

labor day

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚ ሰሉስ 1 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ኩባን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰልፍን ካልእ ንጥፈታትን ዝዝከር ደኣ ይኹን’ምበር፣ ንሳተን እተን ቀንዲ መሰል ሰራሕተኛታት ዘይክበረለን ሃገራት ምዃነን ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ኣብ ኤርትራ መሰል ሰራሕተኛታት ኣይክበርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም መልዕሎ ወይ ጥሮታን ውሕስነት ስራሕን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ድሕነት ሰራሕተኛታት’ውን ሕሉው ኣይኮነን።

እቲ መሰል ሰራሕተኛታት ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ከምቶም ካልኦት ጥብቆ ኣካላት ህግደፍ፣ ንረብሓ መንግስቲ ዘገልግል ብምኳኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቕ ናጻ ኣካል የለን።

ብዓቢኡ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ሰራሕተኛታት ዳርጋ ብምሉኦም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ፣ብዘይድሌቶም፣ ብውሑድ ክፍሊት ዝተታሕዙ ምዃኖም ይፍለጥ።።

ብሰንኪ እዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መንእሰያት ኣብ ዝመረጽዎን ዘድምዕሉን ሞያ ክሰርሑ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ባይታ ከምዘይብሎም’ዮም ዘማርሩ።

እዞም መንእሰያት፣ ብሞያ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ዘይብሉ ሃዋሁው መጻኢኦም ክርእዩ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሎም፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምልክን ተደማሚሩ፣ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም ይግለጽ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0