ባሕቲ መስከረም ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ

ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።
    ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባትን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢን ነዛ መዓልቲ ኣመልኪቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሰደዱዎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምእላይ ኣብ 1961 ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ፣ ናጽነቱ ብገዛእ ቅልጽሙ’ኳ እንተረጋገጸ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ብዘገዛእ ደቁ ኣብ ዳግማይ መግዛእቲ ወዲቑ ከምዝርከብ ገሊጾም።

    ኣብዚ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቁ ወፍዩ፣ ናጽነቱ ብምርግጋጽ እፎይ ክብል ዝግብኦ ክነሱ፣ ካብቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረሉ ብዝያዳ ናብ ስደትን ከርተትን ተዳሪጉ ከምዘሎ ይፍለጥ።
    ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ነቲ ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተወለዐ ሓርነታዊ ቃልሲን ዕላማታቱን ዳግም ንምኽባር፣ ባሕቲ መስከረም ቃል ንኣትወላ ዕለት’ያ ክብሉ ብዝተፈላለየ መልክዓት የኽብሩዋ ኣለዉ።
    ብፍላይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምንባር ዘይከኣል ምስ ኮኖ ብጃምላ ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ጠንቅታት’ዚ መንእሰይ ካብ ምዉቕ ናብርኡ ሃጽ ኢሉ ከምዝጠፍእ ዝገብሮ ዘሎ ኣጽኒዑ ፍታሕ ካብ ምንዳይ ዝያዳ፣ ናብ ሃገራት ምዕራብ ብምውጥዋጥ፣ መመሳመሲ ኣብ ምድላይ የሕልፎ ከምዘሎ እቶም ደለይቲ ለውጢ የመልክቱ።
    ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ውሑዳት ብጾቱን ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ፣ ኩሉ ሃገራዊ ዓሲሉዎ ኣብ ናጽነት ከምዝበጽሕ ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ብስርዓተ ሕጊ ዝመሓደር ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ዝግበር ቃልሲ፣ ኩሉ ፍልልያቱ ኣወጊዱ ናብቲ ቃልሲ ክጽምበር ኤርትራውያን ውድባትን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ወገናትን ጻውዒቶም የቕርቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0