ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር

Radio Erena: 01 September 2019

ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ነዛ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ስፍራ እትሕዝ ዕለት ብዝተሓዋወሰ መንፈስ ይዝክሩዋ ከምዘለዉ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ሓያሎ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንባሕቲ መስከረም ምስዚ ሓያል ማዕበል ለውጢ ኮይኑ መጺኡ ዘሎ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብምትእስሳር፣ ፈላሚት ዕለት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፣ ዳግም መብጽዓና ንምሉእ ሓርነት ቃልና ነሐድሰላ መዓልቲ እያ ብምባል ይዝክሩዋ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ከምቲ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝወላዓ ቁልዒ ንመላእ ኤርትራ ናጽነት ዘጎናጸፈ ባርዕ ዝተቐየረት፣ እዚ ብውሑዳት ዝጀመረ ጎስጓስ ይኣክል ንምልኪ ከኣ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ኣብ ሓደ ቅኒት ሰሚሩ ሕድሪ ጀጋኑኡ ዘተግብረሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ይትንተን።
ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዝተሓልፈ ኩሉ መስገደልን መስዋእትን፣ ብምልካዊ ኣመሓዳድራ ስለዝተተከአ፣ ትርጉም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከይሃስስ ኣስጋኢ ገይሩዎ’ሎ ዝበሉ ገለ ፖለቲከኛታት ከኣ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ንዘምጻኣ ሃገር ካብ ምልኪ ሓራ ኣውጺኡ ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደር ሃገር ክሃንጽ ብሓባር ክቃለስ ከምዝግባእ የዘኻኽሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0