ባሕቲ መስመረም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብክብ ዝበለ ድምቀት ዘኪሮማ

    ባሕቲ መስመረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተዘከረትሉ እዋን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ብክብ ዝበለ ድምቀት ከምዝዘከሩዋ ተሓቢሩ።

    እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት፣ ነቲ ፍሉይ ጽምብል ብሰምበት 30 ነሓሰ ኣብ ሽሮ ሜዳ ዝተባህለ ባህላዊ ማእከል እዮም ኣካዪዶሞ።
    ኣብዚ ዕላማ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጠሊሙ ዝብሉ ዜጋታት ብቑጽሪ ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ዝውስኹሉ ዘለዉን፣ ሰብ ኣብ ሃገሩ ምንባር ስኢኑ ፈቖዱኡ ፋሕ ኣብ ዝብለሉን ዘሎ እዋን እትዝከር ዘላ ባሕቲ መስከረም፣ እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ትሕቲ ‘ከም ገስጋስ ናይ ናጽነት፣ ንቕሎ ንሓርነት’ ዝብል ቴማ እዮም ነቲ በዓል ኣካዪዶሞ።
    ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ባህላዊ ማእከል ዝተኻየደ ፍሉይ መደብ፣ ከም ስነጥበባውያን ፍረሰላም ሙሴ፣ ኪሮስ ኣስፋሃ፣ ፉኣድ ኣልኣሚን፣ ሳምሶን ተኽለብርሃንን ካልኦት ሓያሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስነጥበባውያን፣ ከምዝተሳተፉ፣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
    ኣብቲ ፍሉይ መደብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ዝርከብዎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0