ቢንያን ግርማይ፣ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅድድማት ኤውሮጳ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ

Radio Erena: 27 March 2022

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché–Wanty–Gobert Matériaux ቢንያም ግርማይ ሎሚ ሰንበት 27 መጋቢት ኣብ በልጅዩም ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 84 ውድድር ክላሲክ Gent-Wevelgem in Flanders Fields ቀዳማይ ተዓዋቲ ብምዃን ተኣምራታዊ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ወዲ 21 ዓመት ቢንያም ነዚ 248.8 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ ውድድር ዝተዓወተሉ፡ ቅድድም ክዛዘም 24 ኪሎ ሜትር ምስ ተረፎ ራብዓይ ርእሱ ብምህዳም፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገብረ ቅጽበታዊ ውድድር ምስኡ ንዝነበሩ ስሙያት ተቐዳደምቲ ብምስዓር እዩ።

እዚ ሎሚ ቢንያም ዝኣሰሮ ጋማ ዓወት ብደረጃ ዎርልድ ቱር ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ብቢንያም ይኹን ብኻልእ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ዘይተበጽሐ እዩ።

በዚ ዝተረኽበ ዓወት ካብ ዝተፈለለየ ኩርናዕ ናይ ዓለም ኣድናቖት ዝውሕዘሉ ዘሎ ወዲ 22 ዓመት ቢንያም ብድሕሪ ዓወቱ ምስ ስድርኡ ንምጽንባርን ልምምድ ንምክታድን ናብ ኤርትራ ዘምርሕ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ኤውሮጳ ብምምላስ ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ ክስለፍ እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0