ሶማል፣ ኣባል ባይቶን ሕጽይቲ ተወዳዳሪትን ዝነበረት፣ ህብብቲ ጓለንስተይቲ ፖለቲከኛ ብርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተቐቲላ

Radio Erena: 28 March 2022

ኣብ ሶማል፣ ከተማ በለድወይን፣ ብ23 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ 48 ከምዝበጽሐ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ኣረጋጊጾም።

ብከቢድን ፎኵስን ዝቖሰሉ 10ታት ሰባት’ውን ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ።

በቲ መጥቃዕቲ፣ ኣባል ባይቶ ዝነበረትን፣ ዳግማይ ንኽትምረጽ ኣብ ጎስጓስ ዝነበረትን፣ ኣሚና መሓመድ ዓብዲ፣ ዝተባህለት ህብብቲ ፖለቲከኛ ከምዝተቐትለት ፕረዚደንት ዞባ ሕርሸበል፣ ዓሊ ጉድላዊ ሑሰን ኣፍሊጡ።

ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና፣ ናብተን ንኣሚን ዝዓጀባ ቃፍላይ፣ ንሂራ ብምእታው ብኡ ንእቡ ክትፍንጀር እንከላ፣ ቁሩብ ደቓይቕ ጸኒሑ ድማ፣ በቲ መጥቃዕቲ ንዝቖሰሉ ሰባት ጽዒነን ንዝተበገሳ ካልኦት መካይን ዒላማ ዝገበረ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፣ ኣንጻር መንግስቲ ሶማል ተሩር መርገጺን ነቐፌታን ዝጸንሓ፣ ንበለድወይን ዝወከለት ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነትን ህብብቲ ፖለቲከኛን ኣሚና መሓመድ ምንባራ ‘ዩ ተመልኪቱ።

ኣልሸባብ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ።

በለድወይን፣ ካብ ከተም ሞቛድሹ፣ ኣስታት 300 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሑቓ፣ ኣብ ማእከል ሶማል እትርከብ ከተማ’ያ።

ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ፣ ብተደጋጋሚ ክደናጎ ዝጸንሐ ምርጫ፣ ሓሙስ 31 መጋቢት ክካየድ ተወሲንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እታ ሃገር ናብ ሓድሽ ጎንጽን ዘይምርግጋእን ከይተምርሕ ተሰጊኡ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0