ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ

Radio Erena: 24 September 2021

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ብዓርቢ 24 መስከረም ኣብ ፍላንደርስ በልጅዩም ኣብ ዝተሰላሰለ፡ 161 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ፡ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ካልኣይ ደረጃ ብምውጻእ፡ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ኮይኑ።

ንኢጣልያዊ ፊሊፖ ባሮንቺኒ ተኸቲሉ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ቕያ ዝሰርሐ ጠቓር ብዝብል ቕጽል ስም ዝፍለጥ ቢንያም፡ 2 ካልኢታት ድሒራ ንዝመጸት ዓባይ ጉጅለ፡ ብቅጽበታዊ ውድድር ብድሕሪ ምርትዑ እዩ፡ ንባንዴራ ኤርትራ ኣብ ዘንጊ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ንፈለማ ግዜ ከም እትስቐል ጌሩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ህጡር ዓወታት ከመዝግብ ዝጸንሐ ቢንያም፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ስሙን ስም ሃገሩን ከስሚ ዝኽእል ታሪኽ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ብዙሓት ኣፍቐርቲ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ተስፋ ኣንቢሮም ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ጸኒሖም እዮም። ኣብ 2020 ዓመተ ምህረት ምስ ፈረንሳዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም ኒፖ ዴልኮ ብምጽንባር ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ዝተወዳደረ ቢንያም፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ፡ ማልያ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም ኢንተርማርሽ ቫንቲ ጎበርት ማተሪያውክስ ለቢሱ ኣብ ምቕድዳም ይርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0