ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፣ ርእይቶኦም ክገልጹ ካብ ዝተወከሶም 37 ኤርትራውያን ብሰንኪ ፍርሒ ሓሳቦም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይከኣሉ ኣረጋጊጹ

ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፣ ርእይቶኦም ክገልጹ ካብ ዝተወከሶም 37 ኤርትራውያን ብሰንኪ ፍርሒ ሓሳቦም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይከኣሉ ኣረጋጊጹ

Radio Erena : 13 March 2015

BBC

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ንመጀመርያ ምሉእ ጸብጻብ ከተዳሉ ዝተፈቕደላ ጋዜጠኛ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ ብኣፈኛ ፕረዚደንት ኣቶ የመነ ገበረኣብ ንዝተዋህባ፣ ኣብ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከምዘሎ ህዝቢ ብምሕታት ከተረጋግጺ ትኽእሊ ኢኺ ንዝብል ሓበሬታ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ካብ ዝሓተተቶም 37 ኤርትራውያን ወልሓደ’ውን ንሕቶታታ ክምልስ ፍቓደኛ ከምዘይነበረ ኣረጋጊጻ።

እታ ያልዳ ሓኪም ዝተባህለ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን፣ መብዛሕቶም ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎን ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይደሉ ከምዝጠቐሱላን ገሊኦም ድማ ብዘይማይክሮፎን ድምጾም ከይተቀድሐን ካብ ሰበ ኣብ ዝተኸወለ ቦታ ሕቶታታ ክምልሱ ፍቓደኛታት ምንባሮምን’ያ መስኪራ።

 

በዚ ድማ ነቲ፣ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣሎ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ህዝቢ ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ ንዝብል መግለጺ ኣቶ የመና ገብርኣብ ሓሶት ምዃኑ እታ ጋዜጠኛ ብመርትዖ ከተረጋግጾ ክኢላ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጠሮ ከቢድ ፍርሕን ራዕድን፣ ህዝቢ ርእይቶኡ ብናጻ ክገልጽ ከምዘይክእል ዝፍለጥ’ዩ።

ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ዘይብላ ሃገር ተባሂላ ኣብ ቅድሚ ካብ ዝስራዓ ሃገራት’ያ።

ወከልቲ ቢቢሲ፣ ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ሺንሁዋን ካልኦትን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ማዕከናት ዜና ወጻኢ ካብ ኤርትራ ክወጹ ካብ ዝተነግሮም እዋን፣ ወኪል ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ጸብጻብ ከተመሓላልፍ እዚ ድሕሪ 10 ዓመት’ዩ።

እዚ ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ዘዳለዎ ጸብጻብ ሎምን ጽባሕን ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ቢቢሲ ዎርልድ ክቀርብ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0