በርማ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ዓሌት ሮሂንጅያ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍጸም ከምዘሎ ይቃላዕ

በርማ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ዓሌት ሮሂንጅያ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍጸም ከምዘሎ ይቃላዕ

Radio Erena: 08 September 2017

burma

ኣብ በርማ፣ ብሮሂንጅያ ኣብ ልዕሊ ዝፍለጡ ኣመንቲ ምስልምና ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍጸም ምህላዉ ይቃላዕ ኣሎ።

እዚ ንልዕሊ 120 ሽሕ ኣመንቲ ምስልምና ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ከምዝስደዱ ጌሩ ዘሎ፣ ዘስካሕክሕ ቅትለትን ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብዘይዝኾነ ህጹጽ ግብረ መልሲ ይሓልፎ ምህላዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኹንኑ።

ን10ታት ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝነበረትን ተሸላሚት ስለማት ኖቤል ዝኾነትን ኣን ሳን ሱኪ ትመርሖ መንግስቲ በርማ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብታ ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ግፍዕታት፣ ሓሶት’ዩ ክብል ምግላጹ’ውን ነዛ ሓደ እዋን፣ ንሰብኣዊ መሰላት ብምጥባቓ ግኑን ስም ዝረኸበት ፖለቲከኛ ናብ ከቢድ ነቐፌታ ኣውዲቑዋ ኣሎ።

 

ኣብ በርማ፣ ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ህዝቢ ሮሂንጅያ ካብ ባንግላድሽ ዝፈለሱ’ዮም ተባሂሎም ናይ ዜግነት ይኹን ካልእ መሰለት ተነፊጎም ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሑ’ዮም።

ካብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ግና፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ብዘይፈሊ፣ ኣብ ልዕሊኦም፣ ብኣመንቲ ቡድሃ ብዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ዘስካሕክሕ ግፍዕታት እናተፈጸመ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ክዝርጋሕ ይርአ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0