ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ክትርጎምን ክትርጉምን ጀሚሩ

Radio Erena: 12 May 2022

ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ክትርጎምን ክትርጉምን ከምዝጀመረ ማሕበረሰብ ምትርጓም ጉግል (Google translate) ሓቢሩ።

ቋንቋ ትግርኛ ምስ 24 ካልኦት ቋንቋታት ኣብ ምትርጓም ጉግል (Google translate) ምእታዉ፣ ንተጠቀምቲ እዚ ቋንቋ ብስራት እዩ።

ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ምእታዉ፣ ንተጠቀምቲ ቋንቋ ካብ ምትርጓም ሓሊፎም ምርምራዊ ስርሓት ክገብሩን ዝያዳ ክመሃሩን ክሕግዞም እዩ።

ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ክኣቱ ግዱሳት ማሕበረሰብ ምትርጓም ብዝገበርዎ ጻዕሪ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ መጀመርያ ናይ ጥርዓን ክታም ምእካቦም ይዝከር።

ንሳቶም 35 ሽሕ ናይ ጥርዓን ክታም ድሕሪ ምእካቦም ብኩባንያ ጉግል ተቐባልነት ረኺቦም።

ነቲ ስራሕ ናብ ተግባር ንምስግጋር ድማ፣ ብቀጥታ ኣብ ጉግል ምትርጓም ንምጅማር፣ ናይ ኣበርክቶ መስኮት (contribution window) ተኸፊቱ።

ኣብቲ ናይ ኣበርክቶ መስኮት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወለንተኛታት በብዓቕሞም ብዝገበርዎ ናይ ምትርጓም ኣበርክቶ፣ እቲ መስርሕ ናብ ክውንነት ተሰጋጊሩ።

እንተኾነ ሕጂ’ውን ቋንቋ ትግርኛ፣ እሩምን ምሉእን ኮይኑ ኣብ መስርሕ ምስቱርጋም ብዘይዕንቅፋት ከገልግል፣ ናይ ወለንተኛታት ተርጎምትን ኣመዓራረይትን ቀጻልነት ዘለዎ ጻዕሪ ክሓትት እዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Fisseha zemo 2 years ago

    Netom keydekemu hayal xaeri zeberketkum Amlek xamakum yehabkum