ቆንስል ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ንሕጊ ፕረስ ብዝምልከት ዘተ ኣካዪዱ

Radio Erena: 23 August 2020

ቆንስል ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ንሕጊ ፕረስ እታ ሃገር ብዝምልከት ዘተ ኣካዪዱ።

መበል 88 ስሩዕ ኣኼባ’ቲ ቆንስል ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ንሕጊ ፕረስ ክግበረሉ ዘለዎ ምቅይያራት፣ ንኣታዊታቱን ግብሪን ብዝምልከት፣ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ምምሕያሻት ከምዝተገብረሉ ዝንገረሉ ዘሎ ሕጊ ፕረስ፣ ንስልጣንን ዕማማትን፣ ከምኡ’ውን ምቁጽጻር ፈነወ ብዝምልከት ምክትታል ክግበር ዝጠልብ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተጎሃሃረ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግጭት፣ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኢድ ኔሩኩም ዝብል ክሲ ዝቐረበሎም ሰራሕተኛታት ሜድያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ገለ ማዕከናት ዜና እውን ኣገልግሎተን ደው ከብላ ትእዘዝ ከምዝተመሓላለፈለን ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዘ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን’ቲ ዝሓለፈ ስርዓት ተቐዪዶም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታት ብምፍትሑ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ተናኢዱ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ መንግስቲ ጸጥታን ርግኣትን’ታ ሃገር ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ ኢትዮጵያ ናብቲ ዝነበረቶ መዝገብ ክትምለስ ዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ ብሓያሎ ወገናት ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0