ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተኣስሩ 10ታት ወለድን መንእሰያትን ነበርቲ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ካብ ዓዲ ኣቤቶ ናብ ዘይተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ከምዝገዓዙ ተሓቢሩ

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተኣስሩ 10ታት ወለድን መንእሰያትን ነበርቲ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ካብ ዓዲ ኣቤቶ ናብ ዘይተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ከምዝገዓዙ ተሓቢሩ

Radio Erena: 23 July 2018

Adi Abeyto

ተገፊፎም ኣብ ኮርመናዕ ዝተዓለሙ መንእሰያት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናብ ከባቢ ባጽዕ እናተሰጋገሩ እንከለዉ፣ ኣብ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ካብ መካይን ዘሊሎም ኣብ ዝሃደምሉ እዋን፣ ነተን መካይን ዓጊትኩምን ንዝሃደሙ ተሓባቢርኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ 10ታት ወለድን መንእሰያትን፣ ካብ ዓዲ ኣቤቶ ናብ ዘይተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ከምዝገዓዙ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ሚያዝያ 2016፣ ኣብ ኣስመራ ዝበጽሑ ተዓላሞ ኮርመናዕ ካብ ናይ ጽዕነት መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ድሕሪ ምፍታኖም፣ ብውሕዱ ክልተ መንእሰያት ክቕተሉ እንከለው ሓያሎ ኸኣ ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ከባቢ ማይ ኣባሻውል፣ ብኣውያትን ናዕብን ተቓውምኡ ድሕሪ ምግላጹን፣ መካይን ዓጊትኩምን ዝሃደሙ ተዓላሞ ኣዕቝብኩምን ተባሂሎም ኣዴታት ዝርከብኦም ብውሕዱ 200 ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ግኑን ስም ዘለዎ ዓዲ ኣቤቶ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እሱራት ይቕበል ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ብዘይካ’ቶም ብእምነቶም ኣብ ማይ ስርዋን ምዕጢርን ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ዛጊት ካብተን ልዕሊ 300 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ዝተፈትሑ ኤርትራውያን ከምዘየለውን፣ ኣብ ኩነታት ኤርትራ’ውን ዝተለወጠ ነገር ከምዘየለን ኣረዲኦም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0