ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ኣብ ዓለም ምስ ባርነት ዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ዘለወን ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስርዓ

ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ኣብ ዓለም ምስ ባርነት ዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ዘለወን ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስርዓ

Radio Erena: 22 July 2018

 modern slavery2ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ኣብ ዓለም ምስ ባርነት ዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ዘለወን ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስርዓ ተገሊጹ።

ግሎባል ስለቨሪ ኢንደክስ ብ ‘ዎክ ፍሪ ፋውንደሽን’ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን፣ ኣብቲ ‘ዘበናዊ ባርነት’ ኢሉ ዝጠቐሶ ክፍሊ፣ ምስ ብዝሒ ህዝበን ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝርከባ ጠቒሱ።

ብብዝሒ ክረአ እንከሎ፣ ህንዲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ኮይና፣ ኣብታ ሃገር ከባቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ፣ ምስ ባርነት ዝወዳደር ደረጃ ስራሕ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ግሎባል ስለቨሪ ኢንደክስ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ፣ ግዱድ ዕስክርና፣ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ መኣዲ ስራሕ ምውፋር ዝኣመሰሉ ሓያሎ ረቛሒታት ከም መምዘኒ ዘበናዊ ባርነት ከምዝጥቀመሎም ይገልጽ።

ቀንዲ ዕላማ’ቲ ብ ’ዎክ ፍሪ ፋውንደሽን’ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ትካል ዓመታዊ ዝወጽእ ጸብጻብ፣ ዘበናዊ ባርነት ዘካዪዱ መንግስታት ንምልላይን፣ ለውጢ ክገብሩ ጸቕጢ ንምፍጣርን ምዃኑ ይገልጽ።

ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ቀንዲ ዘበናዊ ባርነት ዝካየደለን እኳ እንተኾና፣ ምዕራባውያን ሃገራት እውን 350 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ምስ’ተን ሃገራት ስለዘካዪዳ፣ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኣካል’ቲ ጸገም ምዃነን እቲ ኣህጉራዊ ትካል ይኸስስ።

ኲናትን ግርጭታትን ቀንዲ መስፋሕፋሕቲ ዘበናዊ ባርነት ኮይኖም፣ ኣብ ከምበዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ስርዓተ ሕጊ ዘይምህላው፣ ከም ቀንዲ ጠንቂ ከምዝረአ እዩ ዝግለጽ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0