ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት ናብ 119 ክብ ኢሉ

    ቁጽሪ ናይቶም ብዓርቢ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት ናብ 119 ክብ ከምዝበለ ካብ ሊብያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

    እቶም ዜጋታት ሶርያ ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጀላቡ ዝነበሩ ኮይኖም ካብ ምዕራባዊ ክፋል ሊብያ ምስ ተበገሱ ብኡ ንብኡ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

    ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሬሳታት’ቶም ግዳያት ኣብ ምእካብ ዝርከብ ኮይኑ፣ ትማሊ’ውን ናይ 39 ሰባት ሬሳ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። ወሃብ ቃል ከተማ ዙዋራ ሓፊዝ ሙዓመር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መስርሕ ገና ይቕጽል ስለዘሎ ገና ቁጽሪ ምዉታት’ውን ብኡ መጠን ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

    ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ ቁጽሪ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተኑሉ ዝሞቱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ልዕሊ ክልተ ሽሕ በጺሑ’ሎ።

    እንተኾነ እዚ ናይ ሞትን ካልእ ከቢድ ስነ ኣእሙሮኣዊን ኣካላውን ጉድኣት እንዳወረደ እንከሎ፣ ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰግሩ ስደተኛታት ቁጽሪ ናብ 255 ሽሕ  ክብ ኢሉ ከምዘሎ፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ይገልጽ።

    ካብዚኦም፣ እቶም 100 ሽሕ ዜጋታት ሶርያ፣ 32 ሽሕ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ከምኡ’ውን 25 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ጸብጻባት ኣይ.ኦ.ኤም. ይሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0