ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዳግማይ ክሕንጸጽ ጻውዒት ቀሪቡ

    ኣብ ሱዳን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ገዳርፍ፣ እቲ ንነዊሕ እዋን ተዳናጉዩ ዝጸንሐ ዳግማይ ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክትግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

    እዚ ልሙዕ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ኣል ፋሻጋ ዝተባህለ ዞባ፣ ኣብ መንጎ ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ምስሕሓብ ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ።  

    ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዳግማይ ምሕንጻጽ’ቲ ዶብ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤ ሃገራት ተታሒዙ መዕለቢ ክግበረሉ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ምንባሮም ይዝከር።

    ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2013’ውን፣ ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተዋጸአ ሓይሊ ዕማም፣ እቲ ንሓረስቶት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምስሕሓብ ዘእትዎም ዘሎ ዞባ ኣል ፋሻጋ፣ ፍታሕ ከምዝረኸበሉ ኣፍሊጡ ኔሩ። እንተኾነ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ዶብ ስለዘይተሓንጸጸ፣ ብዉሑዱ ኣብቲ ከባቢ ሓይሊ ፖሊስ ተዋፊሩ ጸጥታ ከስፍን ከምዝግባእ ኣማሓዳሪ’ቲ ዞባ ገሊጹ።

    ኣል ፋሻጋ ናይ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ንሕርሻ ምቹእ ዝኾነ ከባቢ ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ከም በዓል ኣጥባራን ባስላምን ዝኣመሰሉ ወሓይዝ ዝሓልፉሉ እዩ።

    ዶብ’ዘን ክልተ ሃገራት፣ ገዳርፍን ብሉ ናይልን ናይ ሱዳን ምስ ዞባ ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያ ዝራኸብ ኮይኑ፣ ኣብ 1908 ብብሪጣንያን ኢጣልያን እዩ ተሓንጺጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0