ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሰላም ክሳተፍ ብፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዕድመ ቀሪብሉ

Radio Erena: 05 November 2019

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ዝመጽእ ሰሙን ካብ 11 ክሳብ 13 ሕዳር ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሰላም ክሳተፍ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዕድመ ከምዘቕረበሉ ቤት መንግስቲ ኤሊዘ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ማክሮን፣ ንኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ሰላም ፓሪስ ክሳተፍ ዕድመ ዘቕረበሉ፣ ብኣጋጣሚ’ቲ ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል 2019 ምዕዋቱ’ዩ።

ዋዕላ ሰላም ፓሪስ፣ ብምኽንያት መበል 101 ምዝዛም ቀዳማይ ኵናት ዓለም ዝእንገድ ዘሎ ኮይኑ፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ክሳተፍዎ ትጽቢት ኣሎ።

ይኹን’ምበር ሓያሎ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብ ዘይብሉ ሓደገኛ ኣንፈት እናሃለወትን እቲ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ሰላም’ዩ ኣዕዊትዎ ዝብሃል ድማ፣ ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ናይ ሰላም ተስፋታት ኣብ ዘይብሉን እዋን፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ሰላም ኖቤል ምዕዋቱ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህባ ኣለዋ።

ኮሚተ ስልማት ኖቤል፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምምራጹ፣ ዘይብሱልን ግዜ ዘይሓለወን’ዩ ዝብል ነቐፌታታ ክውሕዝ ጸኒሑ’ዩ።

ማዕከን ዜና DNA ናይ ፈረንሳ ኣብ ዝቐረቦ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ድማ፣ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፣ ዋሕዚ ናብ ስደት ገኒኑ፣ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ዝተፈልየ መርገጺ ዝነበሮም እሱራት ከይተፈትሑ፣ ዓፈናን ጭቆናን ከምዘለዎ እናኸደ፣ ንኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ሰላም ፈጢርካ ብዝብል፣ ስልማት ኖቤል ክወሃቦ ዘይግባእ’ዩ ክብል ርእይቶኡ ኣስፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እንተመጻና’ውን፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጸሉ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት ህወይት 10ታት ሰለማውያን ሰባት ይጠፍእ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ብመንጽር እቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝተዋህበ ናይ ኖበል ስልማት ሰላም፣ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ኣሎ ዶ ዝብል ሕቶ ክምልሶ ይኽእል’ዩ ዝብሉ ካልኦት ወገናት ድማ፣ እቲ ስልማት ምናልባት ንዝመጸእ መደባት ምሕደርኡ ብእወታ ክደፋፍኦ ዝኽእል ፖለቲካዊ ውሳኔ’ዩ ክብሉ ይጠቕሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0