ደሴት ሰኮትራ ናይ የመን፣ ኣንጻር ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 05 November 2019

ኣብ ደሴት ሰኮትራ ናይ የመን፣ ኣንጻር ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ማዕከናት ዜና ካብታ ደሴት ሓቢረን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሓይልታታ ካብታ ደሴት ክትስሕብ ጸዊዑ።

እቲ ሰልፊ፣ ብኢማራት ዝሕገዙ ሚሊሻ፣ ነታ ሃገር ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ድሕሪ ዘካየድዎ ምትእኽካብ፣ ከም ግብረ መልሲ ዝተወደብ ምዃኑ ኣባላት ጸጥታ ናይታ ደሴት ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ’ቲ ብስዑዲ ዓረብን ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ብኢማራትን ዝሕገዙ ሚሊሻ የመንን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኢማራት ካብ ዓደን እኳ እንተሰሓበት፣ ኣብታ ደሴት ግና ሓይልታታት ተደላድል ከምዘላ’ያ ትውቀስ።

ኣቐዲሙ፣ ኢማራት ኣብ ኤርትራ ዘስልጠነቶም ሚሊሻ ናብታ ደሴት ተዋፍር ከምዘላ’ውን ኣብታሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታታ ሶኮትራ ፖርት ኣቃሊዓ’ያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ የመን ንምንጻል ዝንቀሳቐሱ ሚሊሻታት ደቡብ የመን ብምድጋፍ፣ ንየመን ኣብ ክልተ ንምግማዕ ትሰርሕ ከምዘላ፣ ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርጀብ መንግስቲ የመን ይወቕስ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0