ቀ/ ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ናብ ኬንያ ኣምሪሑ

ቀ/ ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ብምቕጻል ናብ ኬንያ ኣምሪሑ

Radio Erena: 08 May 2018

ethiopia kenya

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ወግዓዊ ዑደት ብምቕጻል ብሰንበት 6 ግንቦት ናብ ኬንያ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ካብ ናይሮቢ ሓቢረን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ከተማ ናይሮቢ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ንዘሎ ናይ ዶባት ጉዳያት ጸጥታን ንግድን ካልእ ዞባዊ ኣርእስታትን ብምልዓል ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ተዘራሪቡ።

ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ዶባተን ጸጸኒሑ ዝኽሰት ናይ ቀቢላን ዋንነት መጋሃጫን ግጭታት፣ ምንቅስቓስ ሽበራውያን ጉጅለታት ሶማል ዝዓበየ ኣጀንድአን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ’ዚ ሓያሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኦሮሞን ክልል ኦጋዴንን፣ ንኬንያ ከም መናሃርያ ከምዝጥቀሙላ ይፍለጥ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ብጅቡቲ ዝፈለመ ኣህጉራዊ ዑደቱ ናብ ሱዳን’ውን በጺሑ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ’ውን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተኸቲሉ ናብ ኬንያ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0