ሱዳን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ 13 ኤምባሲታት ክትዓጹ’ያ

ሱዳን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ 13 ኤምባሲታት ክትዓጹ’ያ

Radio Erena: 08 May 2018

sudan foreign currency

መንግስቲ ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራን ቁጠባዊ ቅልውላውን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ 13 ኤምባሲታት ክዓጹ ከምዝወሰነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ‘ቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ’ዚ፣ ኣርባዕተ ቆንስልያታት’ውን ክዕጸዋ ምዃነን ጠቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስልያታትን፣ ብዝሒ ኣባላተን ክቕንሳ ተነጊሩወን ኣሎ።

ይኹን’ምበር እተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታትን ቆንስልያታትን ኣበየኖት ሃገራት ከምዝርከባ ኣየነጸረን።

 

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ነበር፣ ኢብራሂም ጋንዱር ካብ መዝነቱ ቅድሚ ምስጓጉ፣ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ብሰንኪ ስእነት ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ኣምባሳደራት ዝርከብዎም ዲፕሎማሰኛታት ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ደሞዝን ናይ ክራይ ገዛውትን ከምዘይተኸፍለ ምግላጹ ይዝከር።

ንሱ ብዘይካ’ዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣምባሳደራቱ ዝኸፍለሉ ገንዘብ ከምዘይብሉ’ውን ደምዲሙ።

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ናብ ኤምባሲታት ዝቐንዐ ገንዘብ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክሰጋገር እኳ እንተወሰነ፣ ሃገራዊ ባንክ ግን እኹል ናይ ወጻኢ ባጤራ የለን ብዝብል፣ ነቲ ገንዘብ ከምዘየሰጋገሮ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0