ቀ/ ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ሩዋንዳ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 01 May 2017

Haile Rwanda

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብ ሩዋንዳ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ካብ 28 ክሳብ 30 ሚያዝያ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ፓል ካጋመ ብምርኻብ፣ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ፣ ምርኽኻብ ገበነኛታት፣ ሕጋዊ ምትሕግጋዝ፣ ኣመሓድራ ኣብያተ ማእሰርትን ካልእ ክልቲኤን ሃገራት ተሞክሮ ክልዋወጣሉ ኣብ ዘኽእልን ሓያሎ ስምምዓትን ከምዝኸተመ ማዕከናት ዜና ካብ ኪጋለ ሓቢረን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ባህልን ስፖርትን’ውን ንኽተሓጋገዛ ተረዳዲኦም።

እንተኾነ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ሩዋንዳ፣ ነቲ ግብጺ ምስ ወሓዚ ናይል ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ክትምስርቶ እትደሊ ኪዳን ንምፍራስን፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልክት ድማ ሓበራዊ መርገጺ ንኽሕዙን ዝዓለመ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ሩዋንዳ ሓንቲ ካብተን ናብ ናይል ዝፈሱ ወሓይዝ እትውንን 10 ሃገራት’ያ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0