ነቭሰን ሪሶርስስ ኣጋጢሙዎ ንዘሎ ናይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ቀረብ ንምምላእ ብሓይሊ ጸሓይን ናፍታን ኤለክትሪክ ዘመንጩ መሳርሒታት ከእቱ’ዩ

Radio Erena: 30 April 2017

aggrekoኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደናዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ዝርከብ ነቭሰን ሪሶርስስ ኣጋጢሙዎ ንዘሎ ናይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ቀረብ ንምምላእ ብሓይሊ ጸሓይን ናፍታን ኤለክትሪክ ዘመንጩ መሳርሒታት ከእቱ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣግሪኮ ዝተባህለ ትካል ብዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ተዋፊሩ ዘሎ ትካል ነቭሰን ኣገልግሎት ጸዓት ዘመንጩ መሳርሒታት ኣብ ምትካል ናይ 10 ዓመት ናይ ስራሕ ስምምዕ ከምዝፈረመ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓድሽ መሳርሒታት መመንጨዊ ጸዓት ኣብ ዝተተኽለሉ፣ 22 ሜጋዋት ካብ ናፍታ፣ 7.5 ሜጋዋት ከኣ ካብ ጸሓያዊ ምንጪታት ብምጥቃም ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ትካል ኣግሬኮ ክሪስ ወስተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘ነቭሰን ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዕደና ንምስላጥ ናይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ክህብ ሕጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ መሳርሒታት ስርሑ ኣብ ዝጅምረሉ ዘየቋርጽ ውሕስነት ዘለዎ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክህብ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ዝውንኖ ምንጪ ጸዓት፣ ቀዳምነት ንኣፍረይቲ ትካላት ብምባል ህዝቢ ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ከምዘይረክብ ጌሩዎ’ኳ እንተሎ፣ ትካላት’ውን ብወገነን እኹል ሓይሊ ኤለክትሪክ ብዘይምርካበን ኣብ ክሳራ ከምዝኣተዋ’የን ዝገልጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ 1.6 ቢልዮን ፓውንድ ኣታዊ ከምዘኻዕበተ ዝንገረሉ ትካል ኣግሪኮ፣ ምስ ነቭሰን ኣብ ዝኣተዎ ውዕል፣ ንዓሰርተ ዓመታት ብዘይምቁራጽ ሓይሊ ጸዓት ከበርክት ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0