ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን  ከምርሕ’ዩ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 2 May 2018

Abiy Ahmed

ኣብ ጅቡቲ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ንምክያድ ጽባሕ ሮቡዕ 2 ግንቦት ናብ ካርቱም ክኣቱ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ናይ ሱዳን ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ብምርኻብ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ዘሎ ምስሕሓብ ናይል ክዝትዩ ትጽቢት ተጌሩ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ወትሃደራዊን ጸጥታውን ምትሕግጋዛት ብዝልዓለ ዝድንፍዕሉ ተኽእሎታት ክዝትዩ ምዃኖም ይግለጽ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣቐዲሞም’ውን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጣና ብምርኻብ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ተዘራሪቦም’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ ኣብ ዘካየዶ ፈላሙ ኣህጉራዊ ዑደቱ ናብ ጅቡቲ ኮይኑ፣ ሱዳን ከኣ ካልኣይቲ ኣህጉራዊ መገሽኡ ኮይና ኣላ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0