ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ናብ ሕ/ኢ ዓረብ በጺሑ

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ናብ ሕ/ኢ ዓረብ በጺሑ

Radio Erena: 02 May 2018

Puntland

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዓብድወሊ መሓመድ ዓሊ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ።

ንሱ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሐሉ፣ ዱባይ ኣብ ወደብ ቦሳሶ ክትገብሮ እትኽእል ወፍርን ካልእ ዕድላትን ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማል እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝበጽሐ፣ እታ ዓረባዊት ሃገር ንሉኣላውተን ሶማል ትግህስ ኣላ ብዝብል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ናብ ባይቶ ጸጥታ ጥርዓን ኣቕሪብሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቐዲማ ምስታ ብተመሳሳሊ መንግስቲ ካብ ሶማል ብምንጻል ርእሰ ምምሕዳር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፣ ወደብ በርበራ ንምምሕዳሩ ስምምዕ ከምዝኸተመ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ብዘይምብታኹ ጸቕጢ ክትገብረሉ ዝጸንሐት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ወደብ በርበራ ንምምሕዳር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ምስ ዘይብሉ ርእሰ ምምሕዳር ስምምዕ ምኽታማ፣ ናብ ባይቶ ጸጥታ ብምኽሳሱ ተወሳኺ ፍሕፍሐ ፈጢሩ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ 10 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሶማል ንምእታው ኣብ ዝፈተነትሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ከምዝተታሕዘ ይዝከር።

እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፣ ዝምድና ሶማልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድሕሪ ምሽሕካሩ፣ እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ንሶማል እትገብሮ ዝነበረት ወትሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት ኣደስኪላ ትርከብ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን እትፍጽሞ ዘላ ወትሃደራውን ቁጠባውን ምስፍሕፋሕ፣ ነቲ ዞባ ብዝበኣሰ የተፋንን ምህላዉ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0