ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ኤርትራን ንዘሎ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ተበግሶ ከምዝወሰደ ተገሊጹ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ኤርትራን ንዘሎ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ተበግሶ ከምዝወሰደ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 March 2019

ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ኤርትራን ንዘሎ ዘይምቅዳን ንምፍታሕ እማመ ከምዘቕረበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ገሊጾም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ናይ ቀጠር ዑደቱ፣ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ብምርዃብ ኣብ ጉዳያት ግንዲን ወፍሪን ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ብምትኳር ከምዝዘተየ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራን ጅቡቲን ንዘለዋ ዘይምቅዳው፣ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ሓሳብ ከምዘቕረበ ኣገንዚቦም።

ቀጠር፣ ቀንዲ መዋሊትን መሓዛን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እኳ እንተነበረት፣ ካብ 2014 ንደሓር ግና እቲ ዝምድና እናዛሕተለ ከምዝመጸ’ዩ ዝግለጽ።

እታ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝተኸስተ ናይ ግንቦት 2008 ዝተወልዐ ኵናትንምሽምጋል፣ ኣብ 2010 ሓላፍነት ከምዝወሰደት ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ኤርትራን ጅቡቲን በብዝጸንሐን ምኽንያታት፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምውጋነን፣ ቀጠር ነቲ ናብ መወዳእታ ከተብጽሖ ዘይክኣለት መስርሕ ዕርቅን ሰላምን ከምዘቛረጸቶ ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ተነጽሎ ንምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ተንጠልጢሉ ንዝጸንሐ ጉዳያት ኤርትራን ጅቡቲን ዳግም ናብ መኣዲ ዘተ ንምምላሱ ተበግሶ ከምዝወሰደ’ውን ይፍለጥ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0