ሩስያ፣ ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት በሽር ከምዘላ ገሊጻ

ሩስያ፣ ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት በሽር ከምዘላ ገሊጻ

Radio Erena: 20 March 2019

ሩስያ፣ ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ከምዘላ ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዝገለጸት፣ ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፣ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሚኻኤል ቦጋንድኖቭ፣ ብ18 መጋቢት ናብ ካርቱም ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ሓድሽ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ኣሕመድ ዓዋድ ኢብ ዖውፍ ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ’ዩ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሩስያ፣ ህዝቢ ሱዳንን ብፕረዚደንት ዑመር ሓሰን እላበሽር ዝተማእከለ መሪሕነቱን፣ ነዚ ገጢዎም ዘሎ ብድሆ ክሰግርዎ ከምእትድግፍ ኣፍሊጡ።

“ሩስያ፣ ምስ ሱዳን ዘለዋ ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራውን ቁጠባውን ምሕዝነት ከተሐይሎ ትደሊ’ያ።” ‘ውን ኢሉ።

ካብዚ ዝነቐለ፣ ሩስያ ንሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ንምዕባይ፣ ወትሃደራውያን ሲቪላውን ስልጠናታት ክትህባ መዲባ ኣለዋ።

ነዚ ኣብ መንጎ ሩስያን ሱዳንን እናሕእየለ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ብዝያዳ ንምዕማቝኡን ዝተፈልልላለየ ስምምዓት ንኽታምን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መሓመድ ኣል ዲርዲሪ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ዝመጽእ ወርሒ ናብታ ሞስኮ ከቕንዕ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ሩስያን፣ ዝጸንሐ ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ 2017 ናብ ልዕሊ 350 ሚልዮን ዶላር ዓሪጉ ኣሎ።

እዚ ድማ መብዛሕቱ ኣብ ሸመተ ወትሃደራዊ ኣጽዋርን ዕደናን ዘተክረ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይጠቕሱ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0