ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ክፍተሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ክፍተሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 17 May 2018

pm abiyብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጠር ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ማዕከን ዜና ቀጠር፣ ዘ ፔኑንሱላ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተላእከ ደብዳቤ ንኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ድሕሪ ምርካብ፣ ምስ ቀጠራዊ መዘንኡ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ ተራኺቡ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ።

 

ክልቲኦም ሚኒስተራት፣ ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታት ድሕሪ ምዝርራብ፣ ዝምድና ኢትዮጵያን ቀጠርን ንምድልዳል ተሰማሚዖም።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ዶክተር ኣብይ ኣሕማድ ብልሽውና ንምቁጽጻር ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ክፍተሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፣ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

ኢትዮጵያ ክትክተሎ ዝጸንሐት ኣካይዳ ኣዋጺኢ ኣይኮነን ዝበለ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣሰራርሓ ኣባላት ካቢኔ ሚኒስተራትን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ዳግመ መርመራ ክግበረሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ብምኽንያት ኣኼባ ዝባኽን ናይ ስራሕ ግዜ ንምቁጣብ፣ ርክብ ካቢኔ ሚኒስተራት ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ክኸውን ከምዝወሰነ’ውን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ሓደስቲ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዝመዘዘ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝርከቦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሓያሎ ገዳይም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብጥሮታ ከምዘፋነወ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብጥሮታ ናይ ዝፋነዉ ገዳይም ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ክቕጽል ምዃኑ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይጠቅስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0