ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ኒጀር ግዒዞም

ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ኒጀር ግዒዞም

Radio Erena: 17 May 2018

eritreans in libaኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝጸንሑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 132 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ፣ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽኝ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ኣፍሊጡ።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ ከተማ ጣራብሎስ ናብ ኒያመይ ናይ ኒጀር ዝገዓዚ ስደተኛታት፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድል ክሳብ ዝረኽቡ፣ ኣብ ግዜያዊ መዓስከር ክጸንሑ’ዮም።

UNHCR ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1951 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከውጽእ እንከሎ፣ እቶም 1152 ናብ ኒጀር ዝገዓዙ’ዮም።

 እቶም ዝተረፉ ከኣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተጣየሱ ምዃኖም መግለጺ እቲ ኣህጉራዊ ትካል የመልክት።

ኣብ ሊብያ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ሰባትን ኣብ መዝርዓታትን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

UNHCR እዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ውሑሳት ሃገራት ንክግዕዙ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ቅልጡፍ ሓገዝ ከበርክት ይሓትት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0