ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ብዘይምርጫ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ፓርላማ እታ ሃገር ደጊፉ

Radio Erena: 12 June 2020

ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝሰረዘት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ መስከረም መዝነቱ ንዘብቅዕ ቀ/ሚ ብዘይምርጫ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ፓርላማ እታ ሃገር ደገፉ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብመሰረት እቲ ተዋሂቡ ዝተባህለ ደገፍ፣ እቲ ብመሰጋገሪ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝመጽእ እዋን ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ ተወሲኑ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ዘይኮነሉ እዋን፣ ካብ 9 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 2500 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ ሞት 35 ሰባት ድማ መዝጊባ ትርከብ።

እንተኾነ፣ ምርጫ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝተደልየሉ ምኽንያት ናይ ጥዕና ስግኣት ዘይኮነ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ትንታነታቶም ይህብሉ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ 22 ሃገራት ምርጫ ከካይዳ መደባት እኳ እንተሎ፣ ብጉልባብ ኮረና ክስርዝኦ ወይ ከናውሕኦ ከምዝኽእላ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ኣብነት ኮይና’ያ።

ኡጋንዳ’ውን ንዓመታ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ብጉልባብ ኮረና ቫይረስ ክናዋሕ ከምዝኽእል ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌኤሪ ሙሴቬኒ ኣሚቱ።

ይኹን’ምበር፣ ማሊን ብሩንዲን ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ከየመኻነያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ስሩዕ ሃገራዊ ምርጫታተን ከካይዳ ክኢላን’የን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0