ስልጣኑ ክሓድግ ክልተ ኣዋርሕ ዝተረፎ ፕረዚደንት ብሩንዲ ብኮረና ቫይረስ ሞይቱ ተባሂሉ

Radio Erena: 11 June 2020

ስልጣኑ ክሓድግ ክልተ ኣዋርሕ ዝተረፎ ፕረዚደንት ብሩንዲ፣ ፒየር ንኩሪንዚዛ፣ ብኮረና ቫይረስ ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ዘይተሳተፈ ፕረዚደንት ብሩንዲ፣ ስልጣኑ ብወግዒ ከየሰጋገረ’ዩ ብ8ሰነ ብሃንደበት ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ብሃንደበት ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምኻዱ፣ ሓደ ለይቲ ሓዲሩ’ዩ ሞይቱ።

ጠንቂ ሞቱ፣ ልቡ ብሃንደበት ደው ስለዝበለት ምዃኑ እኳ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እንተጠቐሰ፣ እቲ ፕረዚደንት ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ድሒሩ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይእንፍት።

እቲ ወዲ 55 ዓመት ፕረዚደንት፣ ስልጣኑ ኣብ ምርጫ ንዝተዓወተ ኤቫሪስት ኢንዳይሽምየ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብወግዒ ከረክብ’ዩ መደብ ተሰሪዑ።

እንተኾነ ሃንደባታዊ ሞት እቲ ካብ 2005 ኣትሒዙ ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፒየር፣ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከየለዓዕል ተሰጊኡ ኣሎ።

ብመሰረት ቅዋማ እታ ሃገር፣ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ስልጣን ክሳብ ዝርከብ፣ ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ከም ግዝያዊ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ከገልግል’ዩ።

ብሩንዲ፣ ንነዊሕ ዓመታት ብኵናት ሓድሕድ ዝተሓመሰት፣ ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት እትርከብ ንእሽቶ ሃገር’ያ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0