ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ብሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ንዝቐርብ ዘሎ ተደጋጋሚ ናይ ሰላም ጻውዒት ነጺጉ

Radio Erena: 26 November 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን ውድባትን ንዝቐረብ ዘሎ ተደጋጋሚ ናይ ሰላም ጻውዒት ነጺጉ።

ዛጊት፣ ብደቡብ ኣፍሪቃ፣ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብሪጣንያ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ንዝቐረበ ናይ ዘተ ጻውዒት ከምዘይቅበል ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገሩ ናይ ካልኦት ሃገራትን ውድባትን ምትእትታው ከምዘይፈቅድ’ዩ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕሉ፣ ህጹጽ ሓገዝ ናብ ዝደልዮም ንምብጽጻሕ መንገድታት ክኸፍትን፣ ምቁራጽ ቶኽሲ ብምእዋጅ ናብ ዘተ ክቐርብን፣ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ፣ጆሴፍ ቦረል ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ጸዊዑ።

እንተኾነ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላልፎ ዘሎ ተደጋጋሚን ተመሳሳሊን መልእኽታት፣ ህወሓት ከይተደምሰሰን መላእ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከይኣተወትን፣ እቲ ኵናት ደው ከምዘይብል’ዩ ዝጠቕስ።

መራሕቲ ህወሓት ኢዶም ክህቡን ዘቕረቦ ናይ 72 ሰዓታት ግዜ፣ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ብኹሉ ሸነኻት፣ ናብ ከተማ መቐለ መጥቓዕታት ክፍኖ ከምዝኽእል ብወገን ኢትዮጵያ ይስማዕ ኣሎ።

ባይቶ ጸጥታ ብወገኑ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኣሻቓሊ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ ኵናት ትግራይ፣ ዘተ ኣብ ምክያድ ተፈሊጡ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0