ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት ኣብ ዘለዋ ሃገር፣ ስድራቤታት ንደቆም ጥዑይ ኣመጋግባ ከዘውትሩ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ትመክር

Radio Erena: 26 November 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ርኡይ ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት፣ ንሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እታ እንኮ ብመንግስቲ እትዝርጋሕ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድማ፣ ስድራቤታት ንደቆም ጥዑይ ኣመጋግባ ከዘውትሩ ዝመክር ዓንቐጽ ምስፍራ፣ ምስ ላግጺን ብድዐን ከምዝጽብጸብ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ወሃብቲ ርእይቶ ኣመልኪቶም።

ኣብ ኤርትራ፣ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ መነባብሮ ጸገማት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ምስ ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ምዕጻውን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት ተደማሚሩ፣ ሓያሎ ስድራቤታት ኤርትራ፣ ተጸበይቲ ናይ መግቢ ረዲኤት ኮይነን ኣለዋ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነበር ህዝቢ’ውን፣ ብኩፖን ወርሓዊ መቖነን መሰረታዊ መግብታት ንምርካብ፣ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ኣብ ዝሰሓገሉ ጽንኩር መነባብሮ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ ‘ንደቕኹም ጥዑይ ኣመጋግባ ከተዘውትሩ ክንመኽረኩም’ ብምባል ሃምበርገር ብዝበልዑ ናይ ወጻኢ ቆልዑ ኣሰንያ፣ ኣብ ናይ ሰሉስ 24 ሕዳር ሕታማ ምዝርጋሓ፣ መግለጺ የብሉን ክብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ደምዲሞም።

ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒሴፍ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ ድማ ዞባታት ዓንሰባን ባርካን ዝርከቡ ኣሽሓት ቆልዑ፣ ብዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት ይሳቐዩ ምህላዎም ኣብ ወቕታዊ ጸብጻቡ ምስፋሩ ይዝከር።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ኤርትራ፣ ን10ታት ኣሽሓት ቆልዑ ናይ መኣዛዊ መግብታት ሓገዝን ተወሳኺ ቪታሚናት ከምኡ ድማ ክታበታት ይህብ ምህላዉ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፣ እንኮ ጋዜጣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዓምድታታ ብዛዕባ ኣከሻሽና መግብን ምኽሪ ኣመጋግባ ቆልዑን ክትዝርግሕ’ያ ትርአ።

ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይቲ ኣብ ህዝብና ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ኵናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ዛጊት ዝኾነ ዜና ዘይብላ እታ ጋዜጣ፣ ኣብተን ብመርበብ ሓበሬታ እትዝርግሐን ዘለ 4 ገጻታ፣ ዝበዝሐ ትሕዝቶኣን ኣሳእሉን ናይ ወጻኢ ሃገራት’ዩ።

እታ ጋዜጣ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከይተስፋሕፍሕ ተባሂላ፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዛ፣ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ፣ ካብ ናይ ወረቐት ሕትመት ኣቛሪጻ’ያ ትርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0