ቀ/ሚ ሶማል ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

ቀ/ሚ ሶማል ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 08 June 2018

Ali Khayre

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይረ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ምህላዉ መርበባት ሓበሬታ ሶማል ገሊጸን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሮቡዕ 6 ሰነ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምእታዉ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር እስማዒል ዑመር ገለን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ተዘራሪቡ።

ሓደ ካብቲ ዝተላዕለ ኣርእስታት፣ ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣገልግሎታት ወደብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

ምስ ጅቡቲ ዝነበራ ስምምዕ ድሕሪ ምቁራጹ ንወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ብምሽራኽ ከተመሓድሮ ምውሳና፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንሉእላውነት ሃገሩ ትግህስ ኣላ ክብል ናብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ከምዘቕረበ ይፍለጥ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ምክልኻልን ንቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ብምስናይ ናብ ጅቡቲ ኣትዮም ይርከቡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0