እስራኤል፣ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ዝወደብኦ፣ ንባእስን ዕግርግርን መንእሰያት ዝኹነን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ዝወደብኦ፣ ንባእስን ዕግርግርን መንእሰያት ዝኹነን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 07 June 2018

Eritrean Women in Isreal

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ዘካይድዎ ዘለው ባእስን ምፍሳስ ደምን ዝኹንን ብኤርትራውያን ደቂንስትዮ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ብሮቡዕ 6 ሰነ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ከምዝተኻየደ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ እስራኤል ሓቢሩ።

እቲ “ኣደ ፍቅሪ እምበር ደም ኣሕዋታ እተፋስስ ኣይኮነትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፣ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተወደበ ሰላምዊ ሰልፊ ኣብ ሌቬንስኪ ፓርክ ወይ ብልሙድ ኣጸዋውዓ እንዳሳዕሪ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ’ዩ ተኻይዱ።

እቲ ከቢድ ነድርን ሕርቃንን ዝተሓወሶ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብኣውርኡ ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ክካየድ ዝቀነየ ናብ ረጽሚ ዘምርሐ ምትህርራምን ደም ምፍሳስን ዝኹኑን ምንባሩ እቲ ወኪል ሓቢሩ።

ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት፣ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብላ፣ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ናብ 3 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዝፈለመ ባእስን ዕግርግርን ሓደ ፖሊስ እስራኤል ዝርከቦም ሓያሎ ኤርትራውያን ክቖስሉ እንከለዉ፣ ሓያሎ ከኣ ተኣሲሮም ኣለዉ።

እቲ ባእስን ዕግርግርን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ጸጸኒሑ ክጎሃሃር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ምትፍናን ሕጂው’ን ከምዘይሃድአ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ጠንቅን መበገስን እቲ ግጭት ክሳብ ሒጂ ክንጸር እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብ ኢስራኤል ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ግን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢስራኤል ኣቶ ሰለሙን ኣብርሃለይ፣ ደገፍቲ መንግስቲ ንተቓወምቲ ወገናት ክሃርምዎን ከፈራርሕዎምን ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝተፈጸመ’ዮም ዝወቕሱ።

ብወገን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ብዛዕባ’ዚ ደም ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣፍሲሱ ዘሎ ግጭት ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መብርሂ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ እቲ ኣምባሳደር ብሰሉሱ 5 ሰነ ብፖሊስ ተጸዊዑ ከምዝተሓተተ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ ፖሊስ ንወከልቲ ማሕበረሰብ ኤርትራን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ወገናትን ብምጽዋዕ’ውን ኣዘራሪቡ’ዩ።

ኣብ ኢስራኤል ዝርከቡ መንእስያት ንነዊሕ ዓመታት ከከይድዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ንመሰሎም ኣብ ሕዝቢ ኢስራኤል ደሓን ዝኾነ ኣረኣእያን ተደናገጽትን ተፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እዚ ኩነታት ምኽሳቱ ብኣሉታ ከይጥመት ንብዙሓት ከምዘሻቀለ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 20 ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ቤት ማእሰርትን ሕክምናን ይርከቡ።

 

ክቡራት ኣንበብቲ፣ ምሉእ ጸብጻብ ናይቲ ትማሊ ሮቡዕ 6 ሰነ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ዓርቢ 8 ሰነ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ክቐርብ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0