ቀ/ሚ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ ድሉው ምህላዉ  ንፓርላማ ሓቢሩ

ቀ/ሚ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ ድሉው ምህላዉ ንፓርላማ ሓቢሩ

Radio Erena: 07 July 2016

PM hail

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ ድሉው ምህላዉ ብ5 ሓምለ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ ክሳብ ኣስመራ ንምኻድ ድሉው ምዃኑ ክገልጽ እዚ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

እንተኾነ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ከይስሓበት ምስቲ መንግስቲ ዝርርብ ከምዘይህሉ መንግስቲ ኤርትራ ኣነጺሩ’ዩ።

 

ኢትዮጵያ በንጻሩ ካብቲ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወሰነ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ቅድሚ ምስሓባ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዘተ ምክያድ ዝብል ኣቀዲሙ ኣብ ስምምዕ ዘይነበረ ቅድመ ኩነት ከምዘቕረበት ይፍለጥ።

ድሕሪ ብይን ኮሚሽን ዶብ፣ ክልትኤን ሃገራት ነዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ኣብ “ኣይኵናት ኣይ ሰላም” ሃዋሁ ዝርከባ ኮይነን ጸጸኒሑ ከኣ ኣብ ዶባተን ግጭት ከምዝርአ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ 13 ሰነ ኣብ ከባቢ ጸሮና ዝተኻየደ ግጭት’ውን ናይ ቀረባ ኣብነት’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፓርላማ ኢትዮጵያ 12.57 ቢልዮን ዶላር ሃገራዊ ባጀት ንፊስካላዊ ዓመት 2016/20017 ኣጽዲቑ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0