ቀ. ሚኒስተር ቐጠር ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሽምግል ተኽሎ’ሎ ተባሂሉ

ንኣርባዕተ ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ኢትዮጵያን ቐጠርን ናብ ንቡር ድሕሪ ምምላሱ፣ ቐጠር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ንምሽምጋል ተበግሶ ክትወስድ ተኽእሎ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ሸሕ ሓማድ ቢን ጃሲም ቢን ጃቡር ኣልታኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ብምክያድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተራኺቡ ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድናን ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣተኵሮም ከምእተዘራረቡ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን’የን።

    ንጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ዝሸምገለ ንግስነት ቐጠር፣ ንኣስታት 10 ዓመታት ተንጠልጢሉ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብናይ ውክልና ምትእትታዋት ሓሚሱ ዘሎ ምትፍናን ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ንምሽምጋል ተበግሶ ክትወስድ ከምእትኽእል’ዩ ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ዝገልጽ።

    ቐጠር ኣብቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሓበ ከባቢ ዶብ ራስ ዱሜራ፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝውሰን፣ ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዳግም ናብ ግጭት ከየምርሓ ተዓዛቢ ሰራዊት ኣዋፊራ ምህላዋ’ውን ይፍለጥ’ዩ።

    ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2008 ዓመት ምሕረት ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ከባቢ ዶብ ራስ ዱሜራ ዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ ክልትኤን ሃገራት ሓያሎ ወትሃደራት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ከምኡ’ውን 10ታት ከምዝተማረኹ ማዕከናት ዜና ምግላጸን ኣይርሳዕን።

    ቐጠር ነቲ ጉዳይ ንምሽምጋል ተበግሶ ካብ እትወስድ ኣብ ኣርባዕተ ዓመቱ እንታይ ምዕባለታት ኣምጺኡ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይብሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና እቲ ጉዳይ ኣብ መዓልቦኡ ከምዝበጽሐ ብዘይዝኾነ ንጹር ሓበሬታ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

    እንተኾነ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ገና ዘይተፈትሐ ጉዳይ፣ ዳግም ከይጎሃሃር ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ ሃዋሁ፣ ዝምድና ቐጠርን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምምላሱ፣ ኣብዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ኢድ ብምእታው ንምፍትሑ ተበግሶ ክትወስድ ከምእትክእል’ዩ ዝትንተን።

    ኣቐዲሙ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ተበግሶ ውሲዱ ምህላዉ ምግላጹ ኣይርሳዕን። እንተኾነ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ክልቲኦም መንግስታት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0