ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት እስራኤልን ርዋንዳን፣ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክጅምር’ዩ

ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት እስራኤልን ርዋንዳን፣ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 15 January 2019

እስራኤልን ርዋንዳን፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ፣ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምራ ምዃነን ተሓቢሩ።

ክልትኤን ሃገራት ብ7 ጥሪ ድሕሪ ዝኸተምኦ ስምምዕ፣ መንገዲ ኣየር ርዋንዳ፣ ካብን ናብን ኪጋሊ-ቴልኣቪቭ፣ መዓልታዊ ስሩዕ በረራታት ከተካይድ ምዃና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣረጋጊጻ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርዋንዳ ምብጻሕ ዘካየዱ ኣባላት ጸጥታን ድሕነትን እስራኤል፣ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስቲ እስራኤል እትጠልቦ ውሕስነት ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣስሚሮም።

ዘለወን ቁጠባዊ ይኹን ናይ ቱሪዝም ስምምዕ ፣ መዓልታዊ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምጅማር ዘገድድ ስለዘይኮነ፣ ዕላማ ምጅማር እዚ ቀጥታዊ ናይ ነፈርቲ ጉዕዞ፣ ምስ ዘሎ መደባት ምስጓግ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት፣መራሕቲ እስራኤልን ርዋንዳን፣ ኤምባሲታት ንምኽፋት ከምዝተሰማምዑ ኣይርሳዕን።

እስራኤል፣ ልዕሊ 32 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ናይ ምስጓጎም ውጥና ጠቕሊላ ከምዘይሓደገቶ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0