ከሰላ፣ ንፕረዚደንት በሽር ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ከሰላ፣ ንፕረዚደንት በሽር ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 15 January 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽውዕ ብደረጃ ሃገር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከሰላ፣ ግና ብኣንጻሩ ነቲ ፕረዚደንት ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ኣሽሓት ነበርቲ ዞባ ከሰላ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት በሽር ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ ዞባ፣ ከባቢ ገዳርፍ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተሉ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 800 ሰባት ቀይዱ ኣሎ።

ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዞባ ከሰላ ካብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ’ዩ ዝርከብ።

እቲ ኣዋጅ፣ ክሳብ ሰነ 2019 ክናዋሕ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሓድሽ ዓመት ውሳኔ ኣሕሊፉ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0