“ቀጠር ግዳይ ጠለፋ ኮይና፣” ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ

“ቀጠር ግዳይ ጠለፋ ኮይና፣” ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ

Radio Erena: 01 June 2017

Qatar FM

ቀጠር ግዳይ ጠለፋ (hacking )ከምዝኾነት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተሪ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ኣሚር ቀጠር ብዛዕባ ኢራንን እስራኤልን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ ብዝብል ብማዕከናት ዜናታት እታ ሃገር ድሕሪ ምምሕልላፉ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምክፍፋል ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ወግዓዊ ትዊተር መንግስቲ ዝርከቦ መርበባት ሓበሬታ ቀጠር ከምዝተጠልፈ ዘረጋገጸ እቲ ሚኒስትሪ፣ ኣብቲ ዝተጠልፈሉ እዋን፣ ኣሚር ቀተር ሂብዎ ዝተባህለ መግለጺ ሓሶት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣሚር ቀጠር ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝሃቦ’ዩ ኣብ ዝተባህለ መግለጺ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረን ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብምንቓፍ፣ ኢራን ኣብቲ ዞባ ናይ ምርግጋእ ሓይሊ ከምዘለዋ’ዩ ጠቒሱ።

ቀጠር ምስ እስራኤል ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ብምሕባር ከኣ፣ ስዑዲ ዓረብ ካብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣምባሳደራቱ ክስሕብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ኣልጀዚራ ብእትርከቦ ወግዓውያን መርበባት ሓበሬታን ትዊተርን ቀጠር ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ስዑዲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብኡ ንብኡ ንማዕከናት ዜና ቀጠር ከምዝዓፈንኦ ይፍለጥ።

ብሰንኪ’ዚ ቀጠር ዝተጠልፈ ናይ ሓሶት ዜና’ዩ እትብሎ ዘሎ መግለጺታት፣ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ምክፍፋል ወዲቐን ይርከባ።

ቀጠር፣ ወግዓዊ መርበባት ሓበሬታን ትዊተርን ከምዝተጠልፈን፣ ብመንገዱ ድማ ናይ ሓሶት ዜና ይዝርጋሕ ከምዘሎን ደኣ ትግለጽ እምበር፣ መን ከምዝጠለፎ ዛጊት ኣየነጸረትን።

ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ሩስያ ኣብ ጠለፋ መርበባት ሓበሬታ ሓያሎ ሃገራት ትነጥፍ ከይትህሉ’የን ዝጥርጥራ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0